ዝርገሐ

  • ብ ደረጃ ዓለም ለኸ 22% ደቂ ሰባት ደም ፀቕጢ ከምዝህልዎም ይእመን።
  • አብ ትሕቲ ስሃራ ዘለው ዓድታት እቲ ኩነታት ዝበአሰ እዩ
  • ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 20 -30 % ከም ዝኮን ይእመን::

ዘምፅኦ ሳዕቤን:-

  • ብደረጃ ዓለም ካብ ዝኽሰቱ 17 ሚሊየን ሞት (ብሰንኪ ሕማማት ልብን ስራወር ደምን) እቶም 9.4 ሚሊየን ዝኾኑ ብሰንኪ ምውሳኽ ፀቕጢ ደም ዝመፀ ዩ::
  • ናይ 20/10 mmHg ምውሳኽ ደም ፀቕጢ ናይ ሓደ ሰብ ናይ ልብን ስራወር ደምን ተዛመድትን ንክመፁ ብዕፅፊ ይውስኽ::
  • ካብ ምስ ቶንሲል ዝተተሓዘ ሕማም ልቢ ሩማቲክ ቀፂሉ ምስ በዝሒ ፀቕጢ ደም ተታሒዙ ዝመፅእ ሕማም ልቢ ብካልኣይ ደረጃ ኣብ ዓድና ይረአይ::

ፀቕጢ ደም ዝቆፃፀሩ፦

  • 1. ልብና ብሓደ ደቒቓ ዝረጭዎ መጠን ደም ( እዚውን ሓንሳብ ልቢ እንትወቅዕ እትሰዶ መጠን ደምን አብ ደቒቓ ክንደይ ጊዜ ልቢ ከምትወቅዕን ይድረኽ
  • 2. ሰራውር ደም ሰውነትና ነቲ ዝውውር ደም ብአግባቡ ንኽካየድ ዝገብሮ ፅዕንቶ ( ምልሕላሕን ምኩሙታርን)
  • እቶም ላዕለዎት ክሊቲኦም ምስ፦መጠን ደም ሰውነትና (ፈሳሲ )፣ ኩሊት፣ ሓንጎልን ካልኦት ክፋላት ሰውነትናን ዝተፈላለዩ ሆርሞናት ብምምንጫው ሚዛን ፀቕጢ ደም ይሕልዉ።

መንቀልታት ደም ፀቕጢ :-

  • ሀ. እቲ 90 % ( መንቀሊ ሓደ ጥራሕ’ዩ ኢልካ ምጥቃስ አይካኣልን) ምኽንያቶም ድማ ናይ ብዙሓት ነገራት ድምር ስለዝኾነ እዩ ( ‘primary Hypertension’ ይበሃል )
    • ብ Environment ( እንነብረሉ ከባቢ )
    • ብቤተሰብ (genetic )
    • ብዙሕ ጨው ብምብላዕ (ንዘለዎ የበኣእስ)
    • ርጉዲ
    • አልኮል ምብዛሕ
    • ናይ ስነ አእምሮ ውጥረት
    • ስፖርት ዘይምስራሕ
    • ሕማም ሽኮር ምህላው
    • ናይ ኮለስትሮል በዝሒ
    • ሽጋር ምትካኽ
    • ዕድመ ምውሳኽ
    • ፀሊም (‘african american’) ምዃን ወዘተ …
  • ለ. እቲ 10% ( secondary Hypertension ይበሃል ) : ድንገት ዝተኸሰተ በዝሒ ፀቕጢ ደም እንተኾይኑ ብፍላይ አብ ቆልን መናእሰይን መንቀሊኦም ዝፍለጡ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም
    • ፀገማት ኩላሊት ( ስራውር ደም ኩላሊት)
    • እጢ አድሬናል ግላንድ፣ ታይሮይድ ( ናይ ሆርሞን ፀገም)
    • ናይ ደም ስራውር ፀገም – ‘Aorta’ ዝባሃል ዓብይ ደም ቀዳሒ ብተፈጥሮ እንተፀቢቡ)
    • ሓደ ሓደ መድሓኒታት

ምልክታት በዚሒ ፀቕጢ ደም :-

  • መብዛሕቲኡ እዋን መልእክቲ የብሉን
  • ሓደሓደ እዋን ከቢድ ርእሲ ቓንዚ / ምዛር ርእሲ /
  • ድኻም
  • ቃንዛ ደረት፣ ትንፋሽ ምሕፃር
  • ዓይኒ ምርአይ ከፀግም ይኽእል
  • ደም ብአፍንጫ ምፍሳስ ክህሉ ይኽእል’ዪ::

ደረጃታት ደም በዝሒ፦

  • Normal’ (ኽኾን ዘለዎ ) 90/60 – 120/80 mmHg
  • ፀቕጢ ደም 120-139/80-89 mmHg
  • ደረጃ ሓደ 140 – 159/90-99 mmHg
  • ደረጃ2 >160 /100 mmHg
  • አብ ቀረባ እዋን እፀዚ ደረጃ አዋሃህባ እዚ ተቀይሩ እቱ ደረጃ ሓደ ደም ፀቕጢ ናብ 130 -140 /80 -90 ወሪዱ አሎ :: (ብናይ አሜርካ ናይ ልቢ ማሕበር ) ( ደረጃ ክልተ ድማ >140/90 mmHg )

ቅድምን አብ እዋን ምልካዕ ጠቅጢ ደምን ክግበሩ ዘለዎም ጥንቃቅታት፦

  • እቲ መለኪዒ ፀቕጢ ደም ዘይተባለሸወ /ፀገም ዘይብሉ ምዃኑ ምርግጋፅ
  • ካብ 5 – 10 ደቓይቕ ዕረፈቲ ምግባር
  • አብ ምቹው ወንበር ኮይኑ ምልካዕ
  • ደጋጊምካ ምልካዕ
  • ካብ አልኮል፣ ቡናን ሻሂን እንተናአሰ ን 2 ሰዓታት ነፃ ኮይንካ (እንተይወሰድካ) ምልካዕ
  • ምኽሪ ካብ በዓል ሙያ ምሕታት::

ምር መራ /ምንፃር ተወሰኽቲ / ተዛመድን ሕማማት፦

  • ምርመራ ሽንቲ (ሽኮር ፣ ፕሮቲን አብ ሽንቲ እንተሃልዩ
  • ምርመራ ኩላሊት ( ካብ ደም )
  • መጠን K+, Na+
  • መጠን ሽኮር
  • መጠን ኮርስታሮል
  • ናይ ልቢ ምርመራ ECG / Echocardiography
  • ናይ ሆርሞን መጠንን ከከም እቲ ኩነታት ሕሙም ተደሪኽካ ደማ ዝእዘዙ ምርመራታት አለው

ፍይል ዝበለ ምረመራ ዘድልዩም:-

  • ዕድመ < 30 ዓመት
  • ምሰ ደም ፀቕጢ ወሰኽ ተታሕሒዞም ዝመፁ ድንገተኛ ሳዕቤናት ከም ስትሮክ፣ ዓይኒ ምሽፋንን ደኻም ልብን እንተሃልዩ
  • ሰለስተ መድሓኒት እንዳተወሰደ ግን እቲ ፀቕጢ ደም ምቁፅፃር እንተዘይተኻኢሉ
  • ድንገት ሓፍ ዝብል ፀቕጢ ደም

ሳዕቤናት ምውሳኽ ፀቕጢ ደም:-

ምፅባብ ስራውር ደም ሰውነትና እቲ ዋና መንገዲ እዩ

1. ሳዕቤን ኣብ ልቢ:-

– ስራወር ደም ልቢ ቀስ እንዳበለ የፅብብ:- ቃንዛ አብ ፀጋማይ ደረትና የምፅእ

– ኣብ እዋን ምንቅስቃስ ቓንዛ

– አፃዳፊ ፀገም ልቢ ድንገት ደም ስር ልቢ እንትዕፀው ናብ ድንገተኛ ሞት ከብፅሕ ይኽእል

– ድኻምልቢ (ዝተፈላለዩ ምልክታት አለውፀዎ)

– ምዝባዕ ውቅዒት ልቢ

2. ሳዕቤን ኣብ ሓንጎል:- ስትሮክ ( ምልማስ አካል ሰውነትና )

– ሰራውር ደም ሓንጎል ድንገት እንትዕፀው ይኽሰት

– ምዝራብ ምእባይ

– ዓይኒ ምሽፋን

– ገፅ፣ ዓይኒፀ፣ አፍ፣ ኢድን እግርን ናብ ዘይ ቦቶኦም ይከዱ ምንቅስቃስ ይቅንሱ ወይ ይአብዩ

– ውነ ምስሓት

እዞም ላዕለዎት ምልክታት እንትረኣዩ ብህፁፅ ናብ ሓኪም ምውሳድ የድልይ።

3. ሳዕቤን ኣብ ኩሊት :- አፃዳፊ ወይ ድማ ቀስ እንዳበለ ዝመፅእ ምስናፍ ስራሕ ኩሊት

4. አብ ናይ እግርን ኢድን /ስራውር ደም ምፅባብ

– ንኣብነት አብ እዋን ጉዕዞ እግሪ ቃንዛ ይህልው

ሕክምና በዝሒ ፀቕጢ ደም:-

1. ስርዓት አመጋግባ ምስትኽኻል /ስፖርት ምስራሕ

– ክብደት ምቅናስ BMI <25 kg /m2

– ምቅናስ ጨው

– ፍራፍረን ቆፅላ መፅልን ዝበዝሖም ምግብታት ምብላዕ

– ቅብአት ዝበዝሖም ነገራት ምቕናስ

– አልኮል ምቕናስ

– ስፖርት ከከም ዓቕሙ (አብ ሰሙን 5 ጊዜ ን 45 ደቓይቕ) ….ብዓል ሙያ /ሓኪም ምምኻር የድሊ እዩ::

– ሲጋራ ምትካኽ ጠጠው ምባል

– ዕለታው ፈተናታት ናብራ ( Stress Management )ንምሕላፍ (ዕለታዊ ፅዕንቶታት) ናይ ምቕናስ ) ስራሕቲ ምስራሕ

2. መድሓኒት ሓኪም ብዘአዘዞ መሰረት ምውሳድ

– ካብ ሓደ ዓይነት መድሓኒት ተጀሚሩ እስካ ዓርባዕተ ዓይነት መድሓኒታት ከድልዩ ይኽእሉ እዮም ::

– ካብ ሰለስተ ዓይነት መድሓኒት ንላዕሊ እንተደልዩን ምቁፅፃር እንተአብዩን ግና ከቢድ ጥንቃቅን ተወሰኽቲ ምርመራታትን ፍሉይ ክትትልን ምግባር አድላይ እዩ ::

3. ምክልኻል:-

– ልዕል ኢሎም (ኣብ ቁ. 1 ዝተጠቀሱ መንገድታት አናባብራ ምኽታል።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *