ምልክታት ሕማም ልቢ /ከከም መንቀሊኡ ይፈላለ ግን ብልቢ ድኻም ደረጃ ይፈላለ እዩ/
ፀገም ቱቦታት ልቢ (VALVULAR HEART DISEASE)
- ቀንዲ ፀገም ድኻም ልቢ ኣብ ሃገርና (ዕድሚኦም ኣብ ንእስነት ንዘለው)
- RHEUMATIC HEART DISEASE (RHD) ዝበሃል ምስ ሕማም ቶንሲል (ሃናት) ተተሓሒዙ ዝፍጠር እዩ።
- እዚ ሕማም እዚ ብባክተሪያ ( STREPTOCOCCUS PYOGENS/GAS) ዝለዓል እንትኾን 100% ምክልኻልን ምሕካምን ይከኣል እዩ።
- ቶንሲላይቲስ ብቀሊሉ ዝሕከም እውን እዩ (ሓንሳብ እትውሰድ BENZATHINE PERICILLIN ተባሂላ እትፅዋዕ መድሓኒት ፍትንቲ እያ)።
- እዛ መርፍእ እትድልይ ንኽልተ ነገራት እያ፣
- ቐዳማይ ደረጃ ምክልኻል ዕድሚኦም ካብ 8-15 ዓመት ኣብ ዝርከቡ ቆልዑ ናይ ቶንሲል ምልክት እንተሃዩ ቶሎ ምውሳድ።።
- ካልኣይ ደረጃ ምክልኻል ድማ ሕማም RHEUMATIC VALUE ኣለኩም ንዝተብሃሉ ሰባት በቢወርሑ ብዘይምቁራፅ ዝውሰድ እዩ።
- ምልክት ሕማም ሃናት ቶንሲላይትስ ቃንዛ እንትንውሕጥ ረስኒ ቁርጥማት…
- ብመሰረቱ RHD ሕማም ድኽነት እዩ ክበሃል ይከኣል
- መብዛሕቲኦም ዝሞቱ ድማ ኣብ ዕድመ 20-40 ዓመት ስለ ዝኾነውን መፍረያይ ኣካል እቲ ሕ/ሰብ እዩ እናመንጠለና ዘሎ።
- ዕድመ እንትውስኽ ዝመፅእ ናይ ቫልቭ ፀገም እውን ኣሎ
- RHD ኣብ ዓድና ከባቢ 40-60% ዝኾን ናይ ልቢ ፀገም ኮይኑ ይርከብ።
- 40 % ኣብ ዓይደር ዝተኻየደ ፅንዓት
- 60 % ኣብ ጥቁር ኣንበሳ ዝተኻየደ ፅንዓት
ሕማም ደም ፀቕጢ ዘምፅኦ ድኻም ልቢ (HYPERTENSIVE HEART DDISEASE)
- በዝሒ ደም ፀቕጢ ብኣግባቡ እንተዘይተሓኪሙ ከቢድ ፀገም ልቢ ከምፅእ ይኽእል እዩ።
ምዕፃው ሰራውር ደም ልቢ (CORONARY ARTARY DISEASE) (CAD)
- ምስ ሕማም ሽኮር ከቢድ ርጉዲ በዝሒ ደም ፀቕጢ፣ ሽጋራ ምትኻኽ፣ ኣልኮል ምብዛሕ ወዘተ ተተሓሒዙ ዝመፅእ ሕማም እዩ።
- ንልቢ ንባዕላ ዘቐብሉ ዋሰራውር ደማት ብበዝሒ ክዕፀው ይኽእሉ /ንድንገተኛ /ቅፅበታዊ ወይ ድማ ንናይ ነዊሕ ዝዋን ሕማም ልቢ ንጋለፅ
ሕማም ጭዋዳ ልቢ (CARDIOMYOPATHY) መበገሲ
- ዘይነስተውዕለሎም ናይ ልቢ ጭዋዳ ረኽስታት
- ብቤተሰብ
- ብኣልኮል
- ምስ ወሊድን ሕርስን ተተሓሒዙ
- ምስ THYRIOD HORMONE ምብዛሕ
- ሓደ ሓደ መድሓኒታት
ሕማም ሽፋን ልቢ (PERICARDITIS)
- ረኽሲ ወይ ቁጠዐ መሸፈኒ ልቢ መብዝሕቲኡ ግዘ ብ ቫይረስ ወይ ባከተሪያ ፅመጽእ እንትኾን ኣብ ዓድና ቲብቢ ምኽንያት መብዛሕቲኡ እዋን ይኽሰት።
ጸገም ዉቂዒት ልቢ
- ARRHYTHMIA’ ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣትሪያል ፊብሪሌሽን (ATRIAL FIBRILLATION) አቲ መብዛሕቲኡ እዋን ዝረአ አዩ።
