ዝርገሐ
- ብ ደረጃ ዓለም ለኸ 22% ደቂ ሰባት ደም ፀቕጢ ከምዝህልዎም ይእመን።
- አብ ትሕቲ ስሃራ ዘለው ዓድታት እቲ ኩነታት ዝበአሰ እዩ
- ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 20 -30 % ከም ዝኮን ይእመን::
ዘምፅኦ ሳዕቤን:-
- ብደረጃ ዓለም ካብ ዝኽሰቱ 17 ሚሊየን ሞት (ብሰንኪ ሕማማት ልብን ስራወር ደምን) እቶም 9.4 ሚሊየን ዝኾኑ ብሰንኪ ምውሳኽ ፀቕጢ ደም ዝመፀ ዩ::
- ናይ 20/10 mmHg ምውሳኽ ደም ፀቕጢ ናይ ሓደ ሰብ ናይ ልብን ስራወር ደምን ተዛመድትን ንክመፁ ብዕፅፊ ይውስኽ::
- ካብ ምስ ቶንሲል ዝተተሓዘ ሕማም ልቢ ሩማቲክ ቀፂሉ ምስ በዝሒ ፀቕጢ ደም ተታሒዙ ዝመፅእ ሕማም ልቢ ብካልኣይ ደረጃ ኣብ ዓድና ይረአይ::
ፀቕጢ ደም ዝቆፃፀሩ፦
- 1. ልብና ብሓደ ደቒቓ ዝረጭዎ መጠን ደም ( እዚውን ሓንሳብ ልቢ እንትወቅዕ እትሰዶ መጠን ደምን አብ ደቒቓ ክንደይ ጊዜ ልቢ ከምትወቅዕን ይድረኽ
- 2. ሰራውር ደም ሰውነትና ነቲ ዝውውር ደም ብአግባቡ ንኽካየድ ዝገብሮ ፅዕንቶ ( ምልሕላሕን ምኩሙታርን)
- እቶም ላዕለዎት ክሊቲኦም ምስ፦መጠን ደም ሰውነትና (ፈሳሲ )፣ ኩሊት፣ ሓንጎልን ካልኦት ክፋላት ሰውነትናን ዝተፈላለዩ ሆርሞናት ብምምንጫው ሚዛን ፀቕጢ ደም ይሕልዉ።
መንቀልታት ደም ፀቕጢ :-
- ሀ. እቲ 90 % ( መንቀሊ ሓደ ጥራሕ’ዩ ኢልካ ምጥቃስ አይካኣልን) ምኽንያቶም ድማ ናይ ብዙሓት ነገራት ድምር ስለዝኾነ እዩ ( ‘primary Hypertension’ ይበሃል )
- ብ Environment ( እንነብረሉ ከባቢ )
- ብቤተሰብ (genetic )
- ብዙሕ ጨው ብምብላዕ (ንዘለዎ የበኣእስ)
- ርጉዲ
- አልኮል ምብዛሕ
- ናይ ስነ አእምሮ ውጥረት
- ስፖርት ዘይምስራሕ
- ሕማም ሽኮር ምህላው
- ናይ ኮለስትሮል በዝሒ
- ሽጋር ምትካኽ
- ዕድመ ምውሳኽ
- ፀሊም (‘african american’) ምዃን ወዘተ …
- ለ. እቲ 10% ( secondary Hypertension ይበሃል ) : ድንገት ዝተኸሰተ በዝሒ ፀቕጢ ደም እንተኾይኑ ብፍላይ አብ ቆልን መናእሰይን መንቀሊኦም ዝፍለጡ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም
- ፀገማት ኩላሊት ( ስራውር ደም ኩላሊት)
- እጢ አድሬናል ግላንድ፣ ታይሮይድ ( ናይ ሆርሞን ፀገም)
- ናይ ደም ስራውር ፀገም – ‘Aorta’ ዝባሃል ዓብይ ደም ቀዳሒ ብተፈጥሮ እንተፀቢቡ)
- ሓደ ሓደ መድሓኒታት
ምልክታት በዚሒ ፀቕጢ ደም :-
- መብዛሕቲኡ እዋን መልእክቲ የብሉን
- ሓደሓደ እዋን ከቢድ ርእሲ ቓንዚ / ምዛር ርእሲ /
- ድኻም
- ቃንዛ ደረት፣ ትንፋሽ ምሕፃር
- ዓይኒ ምርአይ ከፀግም ይኽእል
- ደም ብአፍንጫ ምፍሳስ ክህሉ ይኽእል’ዪ::
ደረጃታት ደም በዝሒ፦
- Normal’ (ኽኾን ዘለዎ ) 90/60 – 120/80 mmHg
- ፀቕጢ ደም 120-139/80-89 mmHg
- ደረጃ ሓደ 140 – 159/90-99 mmHg
- ደረጃ2 >160 /100 mmHg
- አብ ቀረባ እዋን እፀዚ ደረጃ አዋሃህባ እዚ ተቀይሩ እቱ ደረጃ ሓደ ደም ፀቕጢ ናብ 130 -140 /80 -90 ወሪዱ አሎ :: (ብናይ አሜርካ ናይ ልቢ ማሕበር ) ( ደረጃ ክልተ ድማ >140/90 mmHg )
ቅድምን አብ እዋን ምልካዕ ጠቅጢ ደምን ክግበሩ ዘለዎም ጥንቃቅታት፦
- እቲ መለኪዒ ፀቕጢ ደም ዘይተባለሸወ /ፀገም ዘይብሉ ምዃኑ ምርግጋፅ
- ካብ 5 – 10 ደቓይቕ ዕረፈቲ ምግባር
- አብ ምቹው ወንበር ኮይኑ ምልካዕ
- ደጋጊምካ ምልካዕ
- ካብ አልኮል፣ ቡናን ሻሂን እንተናአሰ ን 2 ሰዓታት ነፃ ኮይንካ (እንተይወሰድካ) ምልካዕ
- ምኽሪ ካብ በዓል ሙያ ምሕታት::
ምር መራ /ምንፃር ተወሰኽቲ / ተዛመድን ሕማማት፦
- ምርመራ ሽንቲ (ሽኮር ፣ ፕሮቲን አብ ሽንቲ እንተሃልዩ
- ምርመራ ኩላሊት ( ካብ ደም )
- መጠን K+, Na+
- መጠን ሽኮር
- መጠን ኮርስታሮል
- ናይ ልቢ ምርመራ ECG / Echocardiography
- ናይ ሆርሞን መጠንን ከከም እቲ ኩነታት ሕሙም ተደሪኽካ ደማ ዝእዘዙ ምርመራታት አለው
ፍይል ዝበለ ምረመራ ዘድልዩም:-
- ዕድመ < 30 ዓመት
- ምሰ ደም ፀቕጢ ወሰኽ ተታሕሒዞም ዝመፁ ድንገተኛ ሳዕቤናት ከም ስትሮክ፣ ዓይኒ ምሽፋንን ደኻም ልብን እንተሃልዩ
- ሰለስተ መድሓኒት እንዳተወሰደ ግን እቲ ፀቕጢ ደም ምቁፅፃር እንተዘይተኻኢሉ
- ድንገት ሓፍ ዝብል ፀቕጢ ደም
ሳዕቤናት ምውሳኽ ፀቕጢ ደም:-
ምፅባብ ስራውር ደም ሰውነትና እቲ ዋና መንገዲ እዩ
1. ሳዕቤን ኣብ ልቢ:-
– ስራወር ደም ልቢ ቀስ እንዳበለ የፅብብ:- ቃንዛ አብ ፀጋማይ ደረትና የምፅእ
– ኣብ እዋን ምንቅስቃስ ቓንዛ
– አፃዳፊ ፀገም ልቢ ድንገት ደም ስር ልቢ እንትዕፀው ናብ ድንገተኛ ሞት ከብፅሕ ይኽእል
– ድኻምልቢ (ዝተፈላለዩ ምልክታት አለውፀዎ)
– ምዝባዕ ውቅዒት ልቢ
2. ሳዕቤን ኣብ ሓንጎል:- ስትሮክ ( ምልማስ አካል ሰውነትና )
– ሰራውር ደም ሓንጎል ድንገት እንትዕፀው ይኽሰት
– ምዝራብ ምእባይ
– ዓይኒ ምሽፋን
– ገፅ፣ ዓይኒፀ፣ አፍ፣ ኢድን እግርን ናብ ዘይ ቦቶኦም ይከዱ ምንቅስቃስ ይቅንሱ ወይ ይአብዩ
– ውነ ምስሓት
እዞም ላዕለዎት ምልክታት እንትረኣዩ ብህፁፅ ናብ ሓኪም ምውሳድ የድልይ።
3. ሳዕቤን ኣብ ኩሊት :- አፃዳፊ ወይ ድማ ቀስ እንዳበለ ዝመፅእ ምስናፍ ስራሕ ኩሊት
4. አብ ናይ እግርን ኢድን /ስራውር ደም ምፅባብ
– ንኣብነት አብ እዋን ጉዕዞ እግሪ ቃንዛ ይህልው
ሕክምና በዝሒ ፀቕጢ ደም:-
1. ስርዓት አመጋግባ ምስትኽኻል /ስፖርት ምስራሕ
– ክብደት ምቅናስ BMI <25 kg /m2
– ምቅናስ ጨው
– ፍራፍረን ቆፅላ መፅልን ዝበዝሖም ምግብታት ምብላዕ
– ቅብአት ዝበዝሖም ነገራት ምቕናስ
– አልኮል ምቕናስ
– ስፖርት ከከም ዓቕሙ (አብ ሰሙን 5 ጊዜ ን 45 ደቓይቕ) ….ብዓል ሙያ /ሓኪም ምምኻር የድሊ እዩ::
– ሲጋራ ምትካኽ ጠጠው ምባል
– ዕለታው ፈተናታት ናብራ ( Stress Management )ንምሕላፍ (ዕለታዊ ፅዕንቶታት) ናይ ምቕናስ ) ስራሕቲ ምስራሕ
2. መድሓኒት ሓኪም ብዘአዘዞ መሰረት ምውሳድ
– ካብ ሓደ ዓይነት መድሓኒት ተጀሚሩ እስካ ዓርባዕተ ዓይነት መድሓኒታት ከድልዩ ይኽእሉ እዮም ::
– ካብ ሰለስተ ዓይነት መድሓኒት ንላዕሊ እንተደልዩን ምቁፅፃር እንተአብዩን ግና ከቢድ ጥንቃቅን ተወሰኽቲ ምርመራታትን ፍሉይ ክትትልን ምግባር አድላይ እዩ ::
3. ምክልኻል:-
– ልዕል ኢሎም (ኣብ ቁ. 1 ዝተጠቀሱ መንገድታት አናባብራ ምኽታል።
