ምልክታት ሕማም ልቢ /ከከም መንቀሊኡ ይፈላለ ግን ብልቢ ድኻም ደረጃ ይፈላለ እዩ/
ቀስ ኢሉ ዝመፅእ ድኻም ልቢ
- ድኻም ወይ ድማ ምልክት ዘይብሉ እውን ይፀንሕ
- ከምወትሩ ምንቅስቓስ ዘይምክኣል።ንምጉያይ እንተሞከርና ይደኽመና ፣ ይዕፍነና፣ የስዕለና
- ካሊእ ግዘ ብቐሊሉ እንሰርሖዝነበረና ስራሕ ምስ ሓመምና ግን ንእሽተን ስራሕ ይዕፍነና /ትንፋሽ ይሓፅረና
- ኣብ 1ይ ወይ 2ይ ደረጃ ምልክት ይጅምር
- ከቢድ እንተኾኑ ድማ ዋላ ኮፍ ኢልና ትንፋሽ ይሓፅረና
- ሰዓል ልቢ ፣ ቶሎ ቶሎ ምውቃዕ
- ለይቲ ጥንቅልዒት እንትንድቅስ ዝበኣሰ ትንፋሽ ይሓፅረና
- ካብ ድቃስ ይቕስቕሰና — 2→3→4 ትርኣስ የድልየና
- እግሪ — ከብዲ ምሕባጥ ቀስ ኢሉ ድማ ሙሉእ ሰውነትና ይሓብጥ።
ቅፅበታዊ /ድንገተኛ / ኣፃዳፊ ናይ ልቢ ድኻም ምልክታት
- ሰራውር ደም ልቢ ምዕፃው (CAD)፣ ኣብ ደረት /ኣፍ ልቢ/ ውግኣት – ናብ ኢድ ዝሰራጨ
- ከቢድ ቅፅበታዊ ትንፋሽ ምሕፃር
- ረሃፅ ፣ ናዓቐብ ምባል ፣ ኣእምሮ ምዝሓል
- ፀቕጢ ደም ይቕንስ ወይ ይጠፍእ
- ንህይወት ኣስጋኢ እዩ
- ቕፅበታዊ ሕክምና የድልዮ- ከከም መንቀሊኡ።
- ናይ ልቢ ውቅዒት ምዝባዕ እንተኾይኑ ብጣዕሚ ልብና ን30 ደቒቓ – 1 ሰዓት ምስ ወቕዐ – ውኔና ይጠፍአና ትንፋሽ ይሓፅረና
- ናይ ልቢ መሸፈኒ እንተኾይኑ ——ኣብ ደረት /ኣፍ ልቢ/ ውግኣት
