ምልክታት ሕማም ልቢ /ከከም መንቀሊኡ ይፈላለ ግን ብልቢ ድኻም ደረጃ ይፈላለ እዩ/

ፀገም ቱቦታት ልቢ (VALVULAR HEART DISEASE)

  • ቀንዲ ፀገም ድኻም ልቢ ኣብ ሃገርና (ዕድሚኦም ኣብ ንእስነት ንዘለው)
  • RHEUMATIC HEART DISEASE (RHD) ዝበሃል ምስ ሕማም ቶንሲል (ሃናት) ተተሓሒዙ ዝፍጠር እዩ።
  • እዚ ሕማም እዚ ብባክተሪያ ( STREPTOCOCCUS PYOGENS/GAS) ዝለዓል እንትኾን 100% ምክልኻልን ምሕካምን ይከኣል እዩ።
  • ቶንሲላይቲስ ብቀሊሉ ዝሕከም እውን እዩ (ሓንሳብ እትውሰድ BENZATHINE PERICILLIN ተባሂላ እትፅዋዕ መድሓኒት ፍትንቲ እያ)።
  • እዛ መርፍእ እትድልይ ንኽልተ ነገራት እያ፣
    • ቐዳማይ ደረጃ ምክልኻል ዕድሚኦም ካብ 8-15 ዓመት ኣብ ዝርከቡ ቆልዑ ናይ ቶንሲል ምልክት እንተሃዩ ቶሎ ምውሳድ።።
    • ካልኣይ ደረጃ ምክልኻል ድማ ሕማም RHEUMATIC VALUE ኣለኩም ንዝተብሃሉ ሰባት በቢወርሑ ብዘይምቁራፅ ዝውሰድ እዩ።
  • ምልክት ሕማም ሃናት ቶንሲላይትስ ቃንዛ እንትንውሕጥ ረስኒ ቁርጥማት…
  • ብመሰረቱ RHD ሕማም ድኽነት እዩ ክበሃል ይከኣል
  • መብዛሕቲኦም ዝሞቱ ድማ ኣብ ዕድመ 20-40 ዓመት ስለ ዝኾነውን መፍረያይ ኣካል እቲ ሕ/ሰብ እዩ እናመንጠለና ዘሎ።
  • ዕድመ እንትውስኽ ዝመፅእ ናይ ቫልቭ ፀገም እውን ኣሎ
  • RHD ኣብ ዓድና ከባቢ 40-60% ዝኾን ናይ ልቢ ፀገም ኮይኑ ይርከብ።
    • 40 % ኣብ ዓይደር ዝተኻየደ ፅንዓት
    • 60 % ኣብ ጥቁር ኣንበሳ ዝተኻየደ ፅንዓት

ሕማም ደም ፀቕጢ ዘምፅኦ ድኻም ልቢ (HYPERTENSIVE HEART DDISEASE)

  • በዝሒ ደም ፀቕጢ ብኣግባቡ እንተዘይተሓኪሙ ከቢድ ፀገም ልቢ ከምፅእ ይኽእል እዩ።

ምዕፃው ሰራውር ደም ልቢ (CORONARY ARTARY DISEASE) (CAD)

  • ምስ ሕማም ሽኮር ከቢድ ርጉዲ በዝሒ ደም ፀቕጢ፣ ሽጋራ ምትኻኽ፣ ኣልኮል ምብዛሕ ወዘተ ተተሓሒዙ ዝመፅእ ሕማም እዩ።
  • ንልቢ ንባዕላ ዘቐብሉ ዋሰራውር ደማት ብበዝሒ ክዕፀው ይኽእሉ /ንድንገተኛ /ቅፅበታዊ ወይ ድማ ንናይ ነዊሕ ዝዋን ሕማም ልቢ ንጋለፅ

ሕማም ጭዋዳ ልቢ (CARDIOMYOPATHY) መበገሲ

  • ዘይነስተውዕለሎም ናይ ልቢ ጭዋዳ ረኽስታት
  • ብቤተሰብ
  • ብኣልኮል
  • ምስ ወሊድን ሕርስን ተተሓሒዙ
  • ምስ THYRIOD HORMONE ምብዛሕ
  • ሓደ ሓደ መድሓኒታት

ሕማም ሽፋን ልቢ (PERICARDITIS)

  • ረኽሲ ወይ ቁጠዐ መሸፈኒ ልቢ መብዝሕቲኡ ግዘ ብ ቫይረስ ወይ ባከተሪያ ፅመጽእ እንትኾን ኣብ ዓድና ቲብቢ ምኽንያት መብዛሕቲኡ እዋን ይኽሰት።

ጸገም ዉቂዒት ልቢ

  • ARRHYTHMIA’ ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣትሪያል ፊብሪሌሽን (ATRIAL FIBRILLATION) አቲ መብዛሕቲኡ እዋን ዝረአ አዩ።

ምስ ሕዱር ሕማም ሳንባ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ድኻም የማናይ ልቢ (COR PULMONALE)፤

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *